ሕቶ 1994.? ኣብ 2015 ተመሊሳ፣-

  • 8 years ago
1994 ንውልቀ መላኪ ዝተሓተት ሕቶ
ሰልፍታት ምምስራት ድሕሪ ቅዋም ምሕንጻጽ እዩ እንዳተባህለ ህ.ግ.ደ.ፍ. እንኮ ሰልፊ ኾይኑ ኣባላት ይምዝግብ ኣሎ ። እዝስ ን ፖለቲካ ኤርትራ ብዓብላልነት ንምሓዝ ዝግበር ዘሎ ፈተነ ድዩ፣ ወይሲ ካልኦት ሰልፍታት ንከይፍጤራ ምቅድዳም እዩ? ህ.ግ. ካልኦት ሰልፍታት ከይንቀሳቀሳ ዘየፍቅድ ዘሎ ብርእሱ ስለ ዘይታኣማመን ዲዩ? ህ.ግ.ደ.ፍ. ናይ ሓደ ሰልፊ ምልኪ ንምፍጣር ዝቃለስ ዘሎ ይመስል ንስኻኼ ነዚ ብከመይ ትርእዮ?

ህግደፍ ከምዚ ዓይነት ከበድቲ ሕቶታት ብ ህዝቢ ክውርወሮም ምስ ጀመረ ዝወሰድዎ ቅልጡፍ ስጉምቲ ተኒሩ፡ ነቲ ለውጢ ክገብር ዝኽእል መንእሰይ ካብ ትምህርቲ ኣርሕቅካ ናብ ዘይውዳእ ሃገራዊ ባርነትን ኲናትን ሸሚምካ፡ ሓሳቡ ናብ ግዝያዊ መንቀሳቀሲ ወረቀት ዕረፍትን ምጥያስን ከምዝጥምዘዝ ምግባር እዩ ኒሩ ። ከምርዲኢተይ ታዓዊቶምሉ እዮም ክብል ይኽእል። ምክንያቱ ስጋብ ሕጂ ብሒቶም መኒካ ዝብሎም ዘየለ፡ መሰሉ ንዝሓተተን አንጻር ሓሶቶም ደው ዝበለን ንዝባረር ኣባሪሮም፡ ዝስንክል ኣሰንኪሎም፡ ዝእሰር ኣሲሮም፡ ዝቅተል ውን ቀቲሎም ብምቾት ንውልቆም ይነብሩ ኣለዉ። ረብሓ ውጹዕ ህዝቢ ክሕሎ ተኮይኑ ግን፡ ዝዓበየ ጸገማት ከይመጸ እተን ኣብ ደገ ዘለዋ ደምበታት ተቃውሞ ፍልልያተን ኣጽቢበን ተጤርኒፈን ቓልሰን ከሔይላን ነዚ ኣብ ቀረባ ዘሎ ስርዓት ካብ ሱሩ ክብንቁስኦን ግዚኡ ዛኣኼለ ይመስል።
ዓወት ን ደለይቲ ፍትሒ

Category

🗞
News

Recommended