ምስማዕን ምንባብን ከም ባህሊ ንቀበል፡ ዘንብብ ይዕምብብ'ዩ፡

  • 8 years ago
ምስማዕን ምንባብን ከም ባህሊ ንቀበል፡ ዘንብብ ይዕምብብ'ዩ፡ ዝሰምዕ ድማ ናይ ምስምማዕ ርድኢት ዝመርሖ ንቕሓት ይውንን'ዩ።ንንቃሕ፡ኣብ ዘይንቕሓትና ንዝነብር ዘሎ ስርዓት ቦታ ንኽልኣዮ፡ንንቃሕ፡ንቕሓት እታ ብማንም ዘይትማረኽ ኣጽዋር ሓፋሽ እያ።
_____________________________
እዝኒ ዘለቶ ይስማዕ፡ ዝሰምዐ ድማ ብርድኢት ይሰማማዕ፡ ስምዒታዊ ኣተሓሳስባ ብበርቂ ብርድኢት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ የእትዎ፡ በቃ ይንቃሕ፡ንንቃሕ እናበልኩ ናባኹም የብላ ኣለኹ። በሉ ሃየ ናብ ትሕዝቶ ናይዛ ቪድዮ ንስገር፡ ንስማዕ እሞ ኣብ ንሰማምዓሉ ረቛሒታት ነድህብ።

ተዛረብ፡ ግድነት ክትዛረብ ኣለካ፡ እታ ሓንቲ ተስፋ ንሳ ጥራሕ'ያ።
ኣቱም ሰራዊት ንሓርነት እምበር ንባርነት ኣይትቃለሱ።
ኣቱም ህዝቢ ሓይሊ ምሳኹም ኣሎ።

" ንባዕሎም ሓራ ኮይኖም፡ ህዝቢ ኣብ ባርነት ዝቖሩኑ፡ ሕጂ ዝኾነ ኮይኑ፡መብጽዓ ተጠሊሙ'ዩ፡!! ንሕና ከም ህዝቢ እቲ መብጽዓታት ንምትግባር ንትዓጠቕ፡ ስስዐ፡ ጽልእን ቒምን፣ ድንቁርናን ኣወጊድና፡ ሃገራዊ ዶባት ጓሲና ንኣድማሳዊ ሓርነት ንቃለስ። ንምኹሉይ ዓለም ንቃለስ። ብሳይንስን ምዕባለን እትምራሕ፡ ንደቂ ሰባት እተሐጉስ ዓለም ንፍጠር፡ ኣቱም ዓሳኽር ሕጂ ብዴሞክራሲ ሓድነት ንግበር።
"ትርጉም ተስፉ ኣጽብሃ ( ወዲ ኣጽብሃ)
ኣንባቢ ስምኦም ፍስሃ( ማሳ)

Category

🗞
News

Recommended